Associazione di Solidarietà e Promozione per l’Eritrea e l’Etiopia
(Italiano) Chiamaci al: +39 02 37052980

Le attività

በዚ ዘሎናዮ እዋን፣ ኣስፐ ኦንሉስ፣ መደብ ምንባይ ሕጻናትን፣ ምሕጋዝ ናእሽቱ ተምሃሮን ብምትእትታው፣ ንብዙሓት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝርከቡ ሕጻናት ትረድእ ኣላ። ብዘይካዚውን፣ ነተን ብማሕበር ካፑቺን ዝካየዳ  ኣብ ከተማታት ከሰላ፣ ፖርትሱዳን፣ ገዳርፍ፣ ወዲሸሪፎይ፣ ካርቱም ዝርከባ ናይ ስደተይኛታት ቤት ትምህርቲ ደገፋ ተወፊ ኢያ። ምስ -ቸንትሮ ኣዩቲ ፐር አቲዮፒያ ኦንሉስ፣ (CENTRO AIUTI PER L’ETIOPIA ONLUS) ኖቫራ ሰንተር ኦንሉስ፣ (NOVARA CENTER ONLUS) ረተቶስታ ኦንሉስ፣ (RETETOSTA ONLUS) ማሕበር ጋንዲ፣  ዝተፈላለያ ማሕብራት ቁምስናታትን፣ካልኦት ብዛዕባ ሰብኣውን ማሕበራውን ልምዓታውን ኩነታት ናይ ኤርትራን ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝግደሳ፣ ዘይመንግስታውያን ድርጅታትን፣ ብምትሕብባርውን፣ ትነጥፍ ኢያ። ከምኡውን፣ ንሰብኣውን ማሕበራውን ዓውዲ አተኩረን ምስዝዓያ ማሕበራት፣ ማለት ምስቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ካፑቺንን፣ ካልኦት ደቂ ተባዕቲዮን ደቂ ኣንስቲዮን መንፈሳውያን ማሕበራትን፣ ትተሓጋገዝ ኢያ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ሱዳንን፣ ማሕበር ኣስፐ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ክትግብር ኪኢላ ኢያ። ሓድሓደ ምስ እንጠቅስ፣ – ዔላታት ምኹዓት፣ ክሊኒካታትን፣ ቤት-ትምህርታትን፣ መዕቆብ ዘኽታማትን፣ መአከቢ ኣዳራሻትን። በዛ ዘሎናያ ግዜ፣ ብሳላ ኣስፐ፣ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ፣ (ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ድሕሪ ንጻነት፣ እታ ዝበለጸት ቤትትምህርቲ ከም ዝኾነት፣ ዝንገረላ) ዓባይ ማኣከላይን ላዕላዋይን ቤት ትምህርቲ ተሃኒጻ ትርከብ ኣላ። ኣብ ደቀምሓረን ኣብ መንጎ ዓደንጎፎምን ደግራ-ልብአን ዝርከብ፣ እምባይላ ዝብሃል ቦታ ድማ፣ መኣከብ ኣዳራሽ ተሰሪሑ ኣሎ። ንመጽኢ ጊዜ፣ ኣብ ከተማ መንደፈራ፣ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ ኣላ።

ማሕበር ኣስፐ፣ ምስ ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሃየ (ብዶክተር ኣልጋ ዝፍለጣ) ትነጥፍ ኢያ። ዶክተር ኣልጋነሽ፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢትዮጲያ፣ ማለት ኣብ ሽመልባን ማይዓይንን ዝብሃል ቦታ ዝርከቡ ስደተይኛታት ፣ ረዲአተን ምብርካት ካብ ዝጅምራ፣ ብዙሕ ዓመታት ኮይኑወን ኣሎ። እዞም ኣብዚ ቦታዚ ዝርከቡ፣ ናብ ሃገረ ሊቢያን ግብጽን ንክሰግሩ፣ ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ መብዛሕትኦም ለይለይ ዝብሉ መንእሰያት ኢዮም። ድሕሪ ሊቢያ ወይ ግብጺ ድማ፣ ብደሴት ላምፐዱሳ ገይሮም፣ ናብ ኢውሮጳ ንምብጻሕ ኢዩ ዕላማኦም። ከምቲ ዝፍለጥ፣ ብዙሓት ካብዚኣቶም፣ ኣብ ጒዕዞኦም ግዳይ ማእሰርትን ምጭዋይን፣ ናይቶም ጨካናት ዘላናት ምድረበዳ ኮይኖም ኢዮም ዝተርፉ። እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ ግና፣ ካብ ማእሰርቲ ንክወጹ፣ ሰፍ ዘይብል ገንዘብ እንተዘይከፊሎም፣ ክፋል ኣካላቶም ኢዩ ዝሽየጥ።

ማሕበር ኣስፐ  ኦንሉስ አብ ኣብ ሚላኖን ከባቢአን ንዝቕመጡ ኤርትራውያንን ኢትዮጲያውያንን  ንጉዳይ ምምሕዳራዊ ቅጥዕን ስርዓትን፣ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ክኣትዉ ንዝደልዩ ስደተኛታት፣ ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን ብምሃብን፣ ሞያዊ ስልጠና ከም ዝረኽቡ ብምግባርን፣ አግልግሎት ይህብ። ብዘይካዚውን፣ ብመገዲ ናይ ኤውሮጳ  ቀይሕ መስቀል፣ ንጽጉማት ኤርትራውያንን ኢትዮጲያውያንን፡ ረዲኤት ናይ ምግቢ ትዕድል ኢያ። ብ2011 ብምትሕብባር ኣለር (ALER Azienda Lombarda Edilizia Residenziale) ትብሃል ድርጅትን ማሕበር ካፕሰን፣ ኣብ ዓቢ ጸገም ዝርከባ ዝነበራ 120 ስደተኛታት ስድራቤት፣ ናይ ኣባይተን ሽግር ከም ዝፍታሕ ገይራ ኢያ።

ናይ ኣስፐ ኦንሉስ   ንጥፈታት ዝካይዱ፣ ኣቦ ወንበር ኣባ ብርሃነ ገብረኪዳን ( P.Luciano ofmcap) ኢዮም። ምስኦም ወ/ሮ፣ ንግስቲና ተኽለማርያን ከም ጸሓፊት ኮይነን የገልግላ። ከም ኣባላት ኮይኖም ዝሰርሑን ዘገልግሉን ድማ፣ ኣባ ተወልደ በየንን፣ ንኣባ ማሪኖ ዝተክኡ፣ ናይ ኤርትራን ኢትዮጲያን ካቶሊካውያን ቆሞስ፣ ኣባ መንግስትኣብ ገብረሚካኤልን፣  ኣብ መላእ ዓዲ ጣልያን ዝርከቡ ብዙሓት ውፉያት ኢያቶም።

ASPE Onlus

ASPE Onlus,Via Cislaghi, 5
20128 - MILANO
Tel. 02 37052980
Fax. 02 25707398

Modulo di connessione