Associazione di Solidarietà e Promozione per l’Eritrea e l’Etiopia
(Italiano) Chiamaci al: +39 02 37052980

ስግረዶባዊ ትምህርቲ ንሕጻናት

adozioni_scolastiche

ኤርትራ ብባህልን ልምድን ሃብታም ዝኾነት ሃገር ኢያ። እንተኾነ ግና፣ ኲነታት ቊጠባዊ ትሕዝቶኣን ማሕበራዊ ኣከያይዳኣን  ንብዙሓት ሕጻናት  ማይ ፍልጠት ንክሰትዩ ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። ምኽንያቱ እተን ብመንግስትን ብማሕበር ካፑቺንን ዝካየዳ ቤት ትምህርቲ ኣዚየን ውሑዳት ስለ ዝኾና።

ማሕበር ካፑቺን፣ በቲ ድሩት ዓቕሙ፣ ነቲ ብምኽንያት ውግእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ንምምላእ፣ ብዝሕ ዝበላ ቤት ትምህርትታት ንምህናጽ፣ ዘይሕክለል ጻዕሪ ንምክያድ ይጓየ ኢዩ ዘሎ። እዚ መስርሕዚ፣ ዝለዓለ ቊጽሪ ሕጻናት ካብ ፈቐዶ መገድን ጎደናታትን ክርተት ምባል ኣላቒቕካ፣ ኣብ ርጉጽን ዝተኣማምንን መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝሳተፉ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ።

በዚ መሰረትዚ ኣስፐ  ኦንሉስ፣ ዝስሙ ድርጅትና፣ ሓደ ፍሉይ መደብ ኣዳሊዩ ይርከብ ኣሎ። እዚ ኸኣ፣ እተን  ሓገዘን ከወፍያ መደብ ዘሎወን ስድራቤታት፣ ብቐሊሉ ነቶም ናብ መኣዲ ትምህርቲ (ቀዳማይ ይኹን ወይ ካልኣይ ደረጃ) ክካፈሉ ዝደልዩ ሕጻናት፣ ንምሉእ ዓመት ዘገልግል በብዓይነቱ ናይ ጽሕፈት መሳርሒ ከም ዝኸፍላሎም ምግባር ኢዩ፣ ብዘይካዚውን ዝተፈልላዩ ናእሽቱ ፕሮጀክትታት ኣብ ምላእ ሃገር ከም ዝፍጠራ ምግባርን ኢዩ።

ASPE Onlus

ASPE Onlus,Via Cislaghi, 5
20128 - MILANO
Tel. 02 37052980
Fax. 02 25707398

Modulo di connessione