Associazione di Solidarietà e Promozione per l’Eritrea e l’Etiopia
(Italiano) Chiamaci al: +39 02 37052980

Chi siamo-storia e missione

ኣስፐ ኦንሉስ (ASPE ONLUS) ዝብል ስያሜ፣ ኣሕጽሮተ ቃላ ናይቲ -ማሕበር ምትሕግጋዝን ልምዓትን ኤርትራን ኢትዮጲያን- ዝብል ሓረግ ኢዩ። እዚ ናይ መኽሰብ ዓላማ ዘይብሉ ማሕበር፣ ብዛዕባ ማሕበራውን ልምዓታውን ሰብኣውን ጸገማት ናይ ኤርትራን ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝግደስ ኢዩ። ከምኡውን፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማ ሚላኖን ከባቢኣን ዝርከቡ፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጲያውያንን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር፣ ስራሕ ኮነ መንበሪ ኣባይቲ ንዝሰኣኑን፣ ምግቢ ኮነ ልብሲ ንዝጸገሞምን ምትሕብባሩ ዝልግስ ኢዩ።

እዚ ማሕበርዚ፣ ብ29 ሚያዚያ 2003 ኣብ ከተማ ሚላኖ ኢዩ ተመስሪቱ። ኣቦ ወንበር ናይዚ ማሕበርዚ ኣባ ሃብተማርያም ገብርኣብ፣ ዘማሕበረ ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺን – ኤርትራ፣ ኢዮም ነይሮም። መስረቲ ኣባላትን ኣማኸርትን፣ ብዘይካ ኣባ ሃብተማርያም፣ ኣብ መላእ ሃገረ ጣልያን ተዘርጊሖም ዝርከቡ፣ ብሓደ ጉጅለ ዓለማውያን ድገፍትን ውፉያትን ዝቖመ ኢዩ።

ማሕበር ኣስፐ ኦንሉስ፣ ናይታ ብኣባ ማሪኖ ሃይለ ዘማሕበረ ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺን፣ ብ2000 ዝተመስረተት፣ ካፓሰ ኦንሉስ ትብሃል ማሕበር፣ ሚእቲ ብሚእቲ ንጥፈታታ ዝተረካቢት ማሕበር ኢያ። እዛ ካፓሰ ኦንሉስ ትብሃል፣ ን20 ዓመት ዝኣክል ኢያ ጸኒሓ። ቀንዲ ዕላማኣ ከኣ፣ ነቲ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ንሰላሳ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከብ ዝነበረ ሕዝቢ፣ ረዲኤት ምእካብ ኢዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፣ ነቶም ናብ ሀገረ ጣልያን ዝተሰደዱ መባእታዊ ሓበሬታ ምሃብን፣ ምጽራይ ወረቓቕትን፣ ስራሕ ምንዳይን፣ ነቶም ኣብዚ ዓድዚ ዝተወልዱ ቆልዑ ድማ ቋንቋ ጣልያን ምምሃርን፣ መንበሪ ኣባይቲ ሃሰስ ምባልን፣ ከምኡውን ዝተበታተና ስድራቤታት ምትእኽኻብን፣ ረዲኤት ምግብን ሕክምናን ምልጋስን ኢዩ ነይሩ።

ኣባ ማሪኖ ሃይለ፣ ክሳብ  ሃንድበታዊ ሞቶም፣ ነቲ ቀንዲ ንጥፈታት ናይዛ ኣስፐ-ኦንሉስ ኢዮም ዘካይዱን ዝሰርዑን ዝነበሩ። ስላ እቲ ኣዚዩ ዝምስገን ናይ ምምሕዳር ክእለቶምን፣ ዘይሕለል ጻዕሮምን ድማ፣ ንጥፈታት እዛ ማሕበር፣ ብሃገራዊ ደረጃ ዝተወሃሃደን ዝማዕበለን ዕቤት ከርኢ ኪኢሉ ኢዩ። ኣብዚ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይግብኣና ጉዳይ ኣሎ። እዚ ከኣ፣ ኣባ ማሪኖ ብምምሕዳር ከተማ ሚላኖ፣ ብ1987 ናይ ክብርን ናይ ምስጋናን ምስክር ወረቐት ምቕባሎም ኢዩ። ብዘይካዚውን፣ ብ2009 ናይ ሰላም ምስክር ወረቐት፣ ካብ ኣውራጃ ሎምባርዲያ ተለጊሱሎም ኢዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብ2012 እውን፣ ስለቲ ንረብሓ ጽጉማትን ስደተይኛታትን ዝፈጸምዎ ሰናይ ግብሪ፣ ናይ ወርቂ ሽልማት ብምምሕዳር ከተማ ሚላኖ እንደገና ተዋሂቡዎም ኢዩ።

ኣስፐ ኦንሉስ፣ ንብዙሕ ዓመታት እቲ ሕጋዊ ቤትጽሕፈታ፣ ኣብ ቪያ ካስተል ሞሮነ ቁ፣ 6፣ ከባቢ ገዳም ቪያለ ፒያቨ ኢዩ ነይሩ። ካብ 2005 ጀሚሩ ግና፣ ማሕበር ካፑቺን ናይ ኤርትራ፣ ሳላ ደገፍ ሓድሓደ ገበርቲ ሰናይ፣ ኣብ ቪያ ቺዝላጊ ቁ፣5 -ፕረኮቶ፣ ምዕርጉን ዝተወዳደበን ቤትጽሕፈት ከም ዝህልዋ ገይሩ ኢዩ።

 
ስግረዶባዊ ትምህርቲ ንሕጻናት
ኤርትራ ብባህልን ልምድን ሃብታም ዝኾነት ሃገር ኢያ። እንተኾነ ግና፣ ኲነታት ቊጠባዊ ትሕዝቶኣን ማሕበራዊ ኣከያይዳኣን ንብዙሓት ሕጻናት ማይ ፍልጠት ንክሰትዩ ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። ምኽንያቱ እተን ብመንግስትን ብማሕበር ካፑቺንን ዝካየዳ ቤት ትምህርቲ ኣዚየን ውሑዳት ስለ ዝኾና። …
Read more
ስግረዶባዊ ምንባይ ሕጻናት፣
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ንሰላሳ ዓመትን ዝተኻየደ ደማዊ ውግእን፥ ዳሕራዋይ ዝሰዓበ ናይ ክልተ ዓመት ጎነጽን፣ ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናት ብዘይ ኣቦን ኣደን ከም ዝተርፉ …
Read more
ዝተፈላልዩ ፕሮጀክትታት፣
ኣስፐ ኦንሉስ፣ ኣብ ዝተፈላልያ ኣዚየን ጽጉማት ከባቢታት ኤርትራ፣ ኣገደስቲ ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ክተዋፍር ትርከብ ኣላ። እቶም ብደረት ዘይብሉ …
Read more

ASPE Onlus

ASPE Onlus,Via Cislaghi, 5
20128 - MILANO
Tel. 02 37052980
Fax. 02 25707398

Modulo di connessione